Detecting...
Please whitelist dirzon to continue.
ብሓቂ ንኤርትራ ዝጸልእ ኤርትራዊ የለን ንኢሳይያስ ዝጸልአ ዜጋ ከም ጸላኢ ሃገርን ህዝቢን ንኢሳይያስ ኢና እንኣምን አንተበልኩም ስእሉ ኣብ ማልያኹም እንተገበርኩምውን መሰልኩም ኢዩ። ሰልፊ ኢፒዲፒ ሓደ ካብቶም ኣንጻር ኢሳይያስ ማለት እምበኣር ቃልሲ ኣንጻር ዞባዊ ግብረሽበራ ማለት ኢዩ። ንዝኾነ ጉዳይ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ለኣኹለይ በ«በርበክ ኣለና ከም ነጎዳ ሓጋይ ድምጺ ዕቡሳት ኢዩ።
እቲ ካብ ታት ቀጺሉውን ኣብ መጀመርያ ታት ኤርትራውያን ንምጽናት ስዉር ኣጀንዳ ሒዙ ዝተበገሰ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገና ከርዳድ ናብ ውሽጢ ተቓወምቲ ውድባት ይዘርአ ከም ዘሎ ከሰሓት የብሉን እቲ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ተቓወምቲ ውድባት ከኣ ጉልሒንጣ ከም ዝኣተዎ ዘራእቲ እናደኸማምበር እናሰወዳ ከኸዳ ኣይተራእያን ከም ስርኤል ቀትሪ ኮይነን ይረኣሞ ናብ ይቕየራ እንደገና ናብ ጸኒሐን ናብ ይምለሳ እዚ ፅንኪላሎ ከኣ ሓደ ካብቲ ኢሳይያስ ዝዘርኦ ዝነበረን ዘሎን ከርዳድ ኢዩ። ኣብቲ ጉባአ ካልእ ዝገንፈለ ጉዳይ እንተነይሩ ከኣ ድጉል ግርጭት ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኢዩ ቅድም ብዛዕባ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ዝበዝሑ ካብ ኣባላት ፖቤጽ ንኣባል መሪሕነት ከምረጽ የብሉን ከብሉ እንከለዉ ባዕሉ ኢሳይያስ ኣንቱም ብጾት ን ዓመታት ጠበንጃ ዓጢቹቐ ዝተጋደለ ሰብሲ ብዘይ ጠቅም ቆሎ ጥጥቐ ካብ ሓላፍነት ውረድ ምባል ግቡእ ኣይኮነን እናበለ ስለዝተኻላኸለሉ ናብ ኣባል መሪሕነት ተመርጸ ካልኣይ ዘሰሓሓበ ጉዳይ ድማ መብዛሕትኦም ኣባላት መሪሕነት ኣብ ሜላታትና ምትዕጽጻፍ ከንገብር ኣለና ከብሉ እንከለዉ ኢሳይያስ ግን ምትዕጽጻፍምትዕጽጻፍ እንተበዚሑ ሓደ መዓልቲ ከኣ ምስባር ኣሎ ዝብል ሃዳዲ መደረ ምስ ገበረ ብናቱ መደምደምታ ጉባአ ተዓጽወ ኣብቲ ብድሕሪ ናጽነት ኣብ ናቐፋ ዝተገብረ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባአ ከኣ ንመሕለፊ ዝኾኖ ድምጺ ኣይረኸበን ግን ብዕበጦዕበጦ ከም ዝተመርጸ ኣብቲ ጉባአ ብኣግኡ ተፈሊጡ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ብምዕራብን ምብራቕን ኤርትራ ከልተ ግዜ ናይ ምቕንጻል ፈተነኳ እንተተገብረሉ ኣይሰለጠን ኢሳይያስ ካብ ግዜ ሰብዓታት ከሳብ ሎሚ ብዙሕ እዋን ብጥይት ተሳሒቱ ኢዩ እቶም ናይ ምቕንጻሉ ስጉምቲ ዝወሰዱ ተባዓት ደቂ ህዝቢ ንዕለቱ ተረሺኖምኳ እንተኾኑ አቲ ድጉል ናይ ህዝቢ ሓዊ ግን ከም ጓህሪ ሰራው ገሃጽ ይብል ኣሎ። ሓለይቲ ህዝቢ ኤርራ ዝመስሱ መራሕቲ ሰልፍታት ኢና በሃልቲ መራጉድቲ በደል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደገ ኮይኖም ዝጸሓፍዎ ጸብጻባቶም ቀለሙ ከይነቐጸ ናብ ማእከላይ ቤጽ ህግደፍ ካብፖ ቦሎ ይንበብ ኣሉ ህድእ ኢልካ ዝርዝርራቱ ከብጻሕ ኢዩ ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ቅቡር ኣጀንዳ ኢሳይያስ ንምፍላጥ ርብዒ ጎደል ኣብ ዘለናሱ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነቲ ደሙ ዘፍሰሰሉን ኣዕጽምቱ ዝኸስከሰሉን ፍትሒ ንምርካብ ነታ ኣንጻር ህግደፍ ከመዝግባ ዝቐብቅባ ዘሎ ኩዕሶ ሒዙ ናብ ቦታ ኣርያ ሪጎለ በጺሑሉ ዘሎ ግዜ ምስቲ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ርሱን ፖለቲካዊ ጥምጥም ጎነጻዊ ቃልሲ ምድራቡ መተካእታ ዘይብሉ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኣብ ዝቐጽል ከፋል ትልሚ ንዘርኢ ከርዳድ ካብ ቅድሚ ናጽነት ከሳብ ሎሚ ኢሳይያስ ብዘይካ ንሱ ዝቆጻጸራ ውድብ ወይ ሰልፊ ኣብ ኤርትራ ከትህሉ ዘፍቅድ ከምዘይኮነ ኣብነት ናይቲ ኣብ መፋርቕ ታት ኣብ ገማግም ተከዘ ውድብ መስሪቱ ዝነበረ ተጋዳላይ ጀብሃነበር ተስፋምህረትን ኣንጻር ህግደፍ ብረታዊ ምልዕዓል ንምግባር ብወገን ሐመራ ከላሽናት ሒዙ ዝተበገሰ ገብረብርሃን ዝተባህለ ተቓዋማይን ዝወሰዶ ቅልጡፍ ናይ ምቕንጻል ስጉምቲ ከንርኢ ኢና። ህዝባዊ ሓይልታት ካብ ጀብሃ ምፍላዩ ኣብ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብርቂ ስጉምቲ ምንባሩ ዚከሓድ ኣይኮነን ግን ጉሒላ ኢሳይያስ ከምዚ ሎሚ ንባህጊ ህዝቢ ኤርትራ መንጢሉ ፈሊሉሉሱ ዘሎ ግዜ ከይተረዳኣና ካብ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ስለ ገዛእ ረብሕኡ ከብል ናይ ስነኣእምሮ ምሩኻት ገይሩና ጸኒሑ ኢዩ። ኣብቲ ኢሳይያስ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ገበናት አናፈጸመ ዝጓዓዘሉ ዝነበረ ዓመታት ድማ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሎሚውን ኣብ ስርዓት ህግደፍ ምስኡ ብማዕረ ዝሕተቱ ሰባት ኣለዉ። ብድሕሪ ምውዳቅ ኢሳይያስ እምበኣር እቲ ናይ ለውጢ ኣባጓይላ ሕድሪ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዝስከም ከኸውን ይግባእ ሎሚ ንህሉው ኩነታት ሃገርና ኣብ እንግምግመሉ ሰዓት ኢሳይያስን ስርዓቱን ኣብቂዖም ኢዮም እቲ ብቺሮቶ ዝተለቓቐበ ኣገባብ ኣከያይድኡ ዘይፈልጥ መንግስቲ ድማ ንውድቀት ሓደ ጎደል ኮይኑ ኣሉ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሃዋሲ ኩነታት ነቲ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳይያስ ፈሊኻ ምቅላዕ ኢዩ ዝምረጽ። ስለዚ ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ በዓል ገዚፍ ናይ ደም ፅዳ ኢዩ። ኢድ ከይሓወስካ ብማተማኢካዊ ካልኩለሽን ጥራይ ከትመጽእ ግን ዝከኣል ኣይኮነን ማዕረዚ ህዝቢ ዝጎዩ ልኡኻት ህግደፍኳ ኣለዉና ብጭቡጥ ኣብ ዱሮ ምእሳር ጂ ከውታ ለይቲ ኣብ መንበሪ ገዛ ኢሳይያስ ረድዮ መሪናዮ ምስጢራዊ ኣኬባታት ገይሮም ዝተፋነዉ ካብ ሱዳን ኢሳይያስ ንዝጸሓፎ መምርሒ ወረቓቕቲ ካብ ኢድ ኮሎነል መልኣከ ገብረማርያም ወዲ ፊተውራሪ ተቐቢሎም መርቼና ኢሎም ናብ ሕንፍሽፍሽ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዋፈሩ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘሊልና ሃዲምና ኢሎም ዝነግሩና ዕሱባት አብ ቀረባ ግዜ ከቃልዑ ኢዮም በቲ ተጋዳሊት ኣበባ ዝበለቶ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ከድምድም ኣብ ህዝባዊ ግንባር ቅድሚ ይ ውድባዊ ጉባአ ዝነበረ ጭርሖ ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት ወይ ሞት ዝብል ኢዩ ዝነበረ። ስለዚ ኢሳይያስ ነቲ ካብ ዓጋመት ዝሃደመ ተጋዳላይ ከምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝነበረ ተስፋንኪኤል ጆርጆ ብሪሞት ኮንትሮል ይቆጻጸረሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ንሱ ከም ዝሞተ ሰነድ ግን ኣብ ኢድ ተስፋምህረት ከም ዝነበረ ጸብጻብ በጺሕዎ ነይሩ። ኣብ ዝመጽእ ከፋል ቅንጸላ ኢብራሂም ዓፋ ዝምድንኡ ምስ ኢሳይያስ ካብ ግዜ ሰብዓታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባ ደቡብ ቦጦሎኒታት ን ን አሃዱታት ናይ ወዲ ዓፋን ናይ ወልደንኪኤል ሃይለን ዓበይቲ ዓወታት ይገብራሉ ኣብ ዝነበራ ግዜ ኢብራሂም ምስቲ ኣብቲ እዋንቲ ኣዛዚ ናይቲ ግንባር ዝነበረ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ዝነበረ ስሉሳዊ ዝምድናታቶምን ርክቦም ምስ ኢሳይያስ አንታይ ይመስል ከም ዝነበረን ከምኡውን ኢብራሂም ዓፋ ኣብ ጉዳይ ስምረት ኣብ ጉዳይ ምዝላቕን ጉዳይ ዝርርብ ሰላም ምብራቕ ጀርመንን ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነበሮ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያትን ዝቐልቀሉ ዝነበሩ ሰበባትን ከንርኢ ኢና። ኣብ መንጎ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ገለ ኣባላት ፖቤጽሕፈትን ከቢድ ግርጭት ከም ዝነበረ ድማ ተኸላይ ገብረማርያም ዓደን ብ ታሕሳስ ኣብ ረድዮ ኢትዮጵያ ገሊጽዎ ነይሩ ኢዩ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሱ ብመንገዲ ሱዳን ከሰላ ናብ ሜዳ ኤርትራ ካብ ዝኣተወላ ለይቲ ካብ ሚያዝያ ዓም ኣብ ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት ግንባር ብገዛእ ኢዱን ብኮራኹሩን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ጽምዋ ንዝተፈጸሙ ምስጢራት ኤርትራን ኤርትራዊ መንነትን ንምዕናው ብድሕሪ ናጽነት ከስርሑ ዝጸንሑ ጥጅኣት ኣጠማምትኡን ኣከያይዳኡን እትድህስስ መጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ከርዳድ ኣብ ቀረባ አዋን ከትዝርጋሕ ኢያ። ኩላትና ከም እንፈልጦ ካብቲ ተቐቢሩ ዘሎ ምስጢራት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከሳብ ሎሚ ሓንቲ እምኒ ጥራይ ኢያ ተላዒላ ዘላ ካብ ዕለት ምስላፉ ብፍላይ ድማ ካብ ከሳብ ሎሚ ገና ዓበይቲ መስተንከራት ብብዙሓት ዜጋታት ኣብ ቀረባ ግዜ ከፍንቀሉ ኢዮም ኢሳይያስ ዕላምኡ ስልጣንን ምግባት ገንዘብን ጥራይ ከም ዘይነበረን ዘሎን ሎሚ ይጋሃድ ኣሉ ምኸንያቱ ኢሳይያስ ኣብ እንብለሉ ግዜ ስለምንታይ ዝብሉ ኩምራ ሕቶታት ኣብ ሕልናና ይኹሕኩሑ ስለዘለዉ። ትልሚ ከርዳድ ስለዝተለመ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኮራርምቲ ህዝቢ ኤርትራ ከርዳድ ብኣስገዳድ ንከቹርጠም ሸበድበድ ኣብ ምባል ይረእ ኢሳይያስ ንኤርትራ መሬታን ህዝባን ከባድም ዝተላእከ ምኳኑ ካብቲ ብዙሓት ሰባት በብዓመቱ ዝብልዎ ዝነበሩ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ተግባራቱ መመሊሱ ይበርህ ኣሎ ሓቂ ኣብ ዘይመዓልታ ሓሶትኢያ ስለዝኾነ ድማ ነቲ ኢሳይያስ ናብ ቃኘው ኣትዩ ነይሩ ምስ ኣባላት ሲኣይአ ተራኺቡ ዝበሃል ዝነበረ ወረታት ጽውጽዋይ ዕንኩራይ ጻጸ ይመስለና ነይሩ እነሆ ሎሚ መዓልቱ ኣኺሉ እቲ ድራማ ኣብ ቅድሚ መድረኸ ውጥምቅልቅል ከብል ንርእዮ ኣለና ንሕና ናጽነትና ንምርካብ ሽሕ ሰማእታት ከፊልና ከንብል እንከለና ብቋንቋ ኢሳይያስ ግን ናብ ድጉል ሕልመይ ንምብጻሕ ንኤርትራውያን ሽሕ መንእሰያት ኣኸፊለዮም ኢዩ ዝብል ዘሎ። ከምቲ ስሎኮዳን ሚሎሶቪች ኣብ ዘ ሄግ ተፈሪዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንጀራ ዓለም ዝበልዕ ዝነበረ ዘይኮነስ ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ደሙ ዘይከም ደም ወዲ ዓፋ ኣብ ኣኻውሕ ጅግንነት ኣብ ቅድሚ ሆጭ ዝበለ መጋባእያ ህዝቢ ከፈስስ ኣለዎ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣነጻጺሩሉ ካብ ዘሎ ቀጭሕርሙ ከምልጥ ኣይከእልን ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲን መስዋእትን ግዜ ተሸገጦም ዝነበሩ ሎሚ ኣብ ግዜ ህግደፍ ሓድሽ ካምሻ ኤርትራዊ መንነት ዝለበሱ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተኸወሉን ምናልባት ኣብ ከምዚ ሎሚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ሕልኸላኻት ኢሳይያስ ከም በዓል ቃዛፊን ካስትሮን ኣብ ስልጣን ዝጸንሕ ዝመስሎም ወይ ከም በዓል ሸኸ ዛይድ እብን ሱልጣን ኣልናህያን ንኢማራት አኣልዓረብ ኣልሙታሒዳ ምድረገነት ዝገበሩወን ኢሳይያስ ከኣ ብወርቂ ኣልማዝን ነዳዲን ንኤርትራ ምድራዊት ገነት ዝገብራ ዝመስሎም ሰባት እንተልዮም ቀትሪ ጸልሚትዎም ከም ዘሎ ጥራይ ከዘኻኽሮም እደሊ። ዘይተሰርነቐ ይኸአላ ከም ዝበሃል ኣቶ መስፍን ሓጎስ ብሰናፍጭ ህዝቢ ኤርትራ ከይተሰርነቐካ እንከለኻ ን ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ትኸሕሰሉ ሰዓት ሎሚ ይኹን ናብ ሜዳ ኤርትራ ግዜ ደርሆነቆ ስለዝወጻእካ ኣብ ዝሓለፈ ናይ በረኻ ቅንጸላ ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራውያን ምስ ኢሳይያስ ቀንጻሊ ኔርካ ወይ ድማ ሎሚ ቀንጸልቲ ንዝነበሩ ንገር። ሎሚ ምስ ጉዳያት መንካዕ የሚን ጉጅለ ኣነጻጺርና ኣብ እንግምግመሉ ግዜ ከምኡውን ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኢብራሂም ዓፋን ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ዝነበረ ዝምድና ኣብ አንምርምረሉ አዚ ሰብዚ ሓደ ከበጽሖ ዝደለዮ ገና ኣጸቢቹ ዘይተጋህደ ድጉል ኣጀንዳ ስለዘለዎ ጥራይ ምኺኑ ብንጹር በሪሁ ኣሉ ሜጀ ፊሊጳስ ወልደዮሃንስ ኣብቲ ብ ብዛዕባ ጉዳይ ምሕቃቕ ሰልፊ ኣብ ባሊኔኪ ከባቢ ዓዲ ኣበይቶ ዝተገብረ ኢሳይያስ ዘማእከሎ ዓቢ ኣቬኬባ ኣብ ዝተገብረ ከትዕ ንሜጀ ተኸላይ ሃብተስላሰን ሜጀ ሃይለ ሳሙኤልን ቻይና ንስኹም ሓሰውቲ ኮራኹር ኢኹም ከብል ዓው ኢሉ ጸሪፉዎም ኢዩ። እተን ዒላማታት ድማ ቅድሚ ምርግጋጽ ናጽነት ምድምሳስ ውድብ ተሓኤ ምቐንጻል ምሁራትን ተበዓትን ተጋደልቲ ብድሕሪ ናጽነት ድማ ምሕቃቕ ውድብ ህዝባዊ ግንባርን ምብትታን ተጋደልቲን ኣብ መወዳእታውን ምጽናት ህዝቢ ኤርትራ ዱሮ ንህዝቢ ከበሳታት ናብ ምዕራባዊ ቆላታት ገማግም ሩባ ተከዘ ቃጨሮ ኣብ ዝተባህለ ዓሳው ቦታ ብኣስገዳድ የግፅዞ ኣሎ ስለዚ እቲ ቅቡር ዝነበረ ኣጀንዳኡ ሎሚ በብቁሩብ ብንጹር ኣብ ልዕሊ መሬት ተቐልቂሉ ይርአ ኣሎ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ጀብሃ ተፈልዩ ምስቶም ኣብ ዓላ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብ ዝተሓወሰሉ ግዜ ነቲ ብመንገዲ ሃብተስላሰ ገብረመድህን ተጀሚሩ ዝነበረ ዝርርብ ቃኘው በቲኹ ባዕሉ ነቲ ርከብን ዝርርብን ምቐጻሉ ብድሕሪ መስዋእቲ ኣብርሃም ተወልደ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ድማ ሃብተስላሰ ተመሪጹ ከብቅዕ ኣብ ጀብሃ ዝነበረኒ ሓላፍነት ጠንጢነ ስለዝመጻአኩ ኣነ እየ ሓላፊ ከኸውን ዝግባእ ወላ ከሳብ ኣብ ካልአ ስፍሕ ዝበለ ጉባአ ዓቢ ምርጫ ዝግበር ድማ ኣነ ከም ግዝያዊ ሓላፊ ከምረጽ ኣለኒ በሎም ደረቐኛ ኢሳይያስ። ከሳብ ሎሚ ኣብ ስደት ብሂወቱ ስለዘሎ ቅድም ምስከር ኢዩ ደሓር ከኣ ነዚ ታሪኸ ከውስኸሉ ወይ ከእአርሞ ይኸእል ኢዩ ነቲ ብመስፍን ዝተቐንጸለ የዋህ በዓል ደፈረ ከልተ ደቂ ሓወቦታቱጾኳ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት እንተነበሩዖፆ ገረወልዲ ቀልጢፉ ተሰውእ ተጋዳላይ ዘርእማርያም ወዲ ሸቃ ከኣ ኣብ ግዜ ብረት አንዳ ፍላንሳ ምውጻአ ዝነበረሉ ግዜ ከቢድ ናይ ሕቐ ቃንዛ አጋጢሙዎ ስለዝነበረ ካብ ሓይልታት ሓውሲ ፅረፍቲ ንከኾኖ ተባሂሉ ምስ ኢሳይያስ ንከንቀሳቐስ ተወሰነ ዘርእማርያም ምስጢር ኣቀታትላ ናይቲ ኣብ ከባቢ ኡንክዔላ ዝተባህለ ቦታ ገምገም ዓዜን ዝተቐትለ ወዲ ሓወብኡ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ ስለዚ ንሱውን ኣብ ልዕሊ መስፍን ሕነ ከፈዲ ወይ ድማ ምስጢር ናብ ቤተሰብ ከመሓላልፍ ከም ዝኸእል ኣይተሳሕተን እቲ ዘገርም ፍጻሜ ድማ ከልቲኦም ኢሳይያስን ዘርአማርያምን ናብ ኳዜን ዝተባህለት ዓዲ እናኸዱ አንከለዉ ኣብ ሸኻ ላዕላይ ዝተባህለ ጥቓ ዓዲ ምስ በጽሑ ዘርአማርያም ብጥይት ተቐትለ። ኢሳይያስ ንመብዛሕትኦም እዞም ናይ ሎሚ ላዕለዎት መኮንናቱን ናብ ደገ ብዓቢ ምስጢር ዝለኣኾም ሰባትን ኣብቲ ከቢድ ገበኑ ከም ዝካፈሉ ስለዝገበረ ከሳብ ናይ መወዳእታ ብሓደ ኢዮም ከጠፍኡ ብባሊቃ ዝሸገጉ መኮንናት ኢሳይያስ አቲ ናይ ቀደም ኤርትራዊ ደሞምሲ ኣሎዶሃ ዝብል ትሒምትሒም ህዝብና ካብ ነዊሕ ዓመታት ከቃልሖ ጸኒሑ ኢዩ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ባርባራዊ ግፍዕታት እዚ ስርዓት ህዝብና ብተስፋ ኣብ ዝጽበየሉ ዘሎ ግዜ አዚ ርጉም ኢሳይያስ ኣይከርምን ኢዩ። እዚ ኢዩ እቲ ጸወታ ጠላዕ ኢሳይያስ እምበኣር ነዚ ጠላዕዚ ከም ፉንቲን ጆከርን ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ውድባትን ሰልፊታትን ካብ ኢሳይያስ ዝተዋህቦም መልአኸቲ ዝፍጽሙ ዘለዉ ሰብ ኪዳኑ ጸብጻባቶም ካብ ኤውሮጳ ናብ ካምፖቦሎ ከም ዝለኣኸ ኣይተሰወረን ካብ ኣዒንቲ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ከምልጡ ማለት ድማ ዘበትዩ። እነሆ ሎሚ ግን እቲ መንፊትውን መመሊሱ ኣብ ዝጸበበሉ ዘሎ ግዜ መን መን ምኺኑ ከም ጸሓይ ጾመኣርብዓ በጣዕጣዕ ኢሉ ኣሉ መስፍንን ላዕለዎት ካድረታቱን ብዛዕባ መጻኢ ሕልምታቶም ኣብ ኤርትራ ነናቶም ሓላፍነት ተመቓሪሖም ስለዝኾኑ ሓቆም ኢዮም ከም ነብሰጾር ቅልውላው ከሕዞም ካብ ሎሚ ንደሓር ከም ቀንጻሊ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ መሪሐ ሓላፊኡ ከኸውን አየ ዝብል ኣየድልዮን ኢዩ ንህዝቢ ኤርትራ። ኣብ ስርዓት ህግደፍ ሕድገት ዝበሃል ሕልሚ ኢዩ ኢሳይያስ ውልቀምልካዊ ኢዩ ጨካን ኢዩ ስሱዕን ዘይፍትሓዊን ኢዩ ወዘተ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ ኣይፋሉን። ኣብ ተኸታታሊ ከፋላት እዚ ጽሑፈይ ሕቡኣት ምስጢራት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኤርትራውያን ንምጥፋአ ውዲታት ህግደፍ ብውሽጢን ሰብ እከይ መሻርኸቱ ብወጻኢን ከገልጽ ጸኒሐ ብፍላይ ድማ እቲ ካብ ሰብዓታት ከም ግምጣል ሓንቲ ሽልን ዝፍለጥ ተጋዳላይ መስፍን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብፍላይ ከኣ ሎሚ ኣብዚ ዱሮ ቀብሪ ህግደፍን ጥፍኣት ኢሳይያስን ከመይ ዝኣመሰለ መንገዲ ይኸይድ ከም ዝነበረን ዘሎን ተንቲነ እየ። ኢሳይያስ ካብ ሎሚ ንደሓር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኩናት የለን። ንሕና ኣብ ሳሕል ዝተመሃርናዮ ንሰባት ከነምልኸ ከም ዘይብልና ኢዩ እንተኾነ ኣብ መደባት ኤሪቲቪ ደድሕሪ ዜና ቃላት ብወርቂ ቀለም እናበለት ንስምካ ዝግበር ዘሎ ውዳሴ ብከመይ ትርእዮ በሎ ኢሳይያስ ፈራሕ ኢዩ ካብ ዝነበረ ተመኩሮታት ኣብ እንዕዘበሉ ግዜ ከኣ ኣብ ጸቢብ ኣከባቢ ናይ ልቡ ገሊጹ ኣይፈልጥን ኢዩ። ፕረ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ዓዲ ጥልያን ብዝረኸቦ ምስጢራዊ ጸብጻብ ኢዩ ሓሽሸ ንከዝራእ ዝኣዘዘ ይብሱ ናይ ቀረባ ፈለጥቲ ብመሰረት መጽናዕቲ ሓመድ ኤርትራ ኣብ ካልእ ከባቢ ሰሜናዊ ባሕሪውን ሓሽሸ ከዝራኣሉ ዝኽእል ቦታ ኣሉ ህግደፍ ካልኣይ ፕሮጀከት ንምጅማር ኣብ ዓመተ መደብኳ እንተነበሮ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ከሳብ ሎሚ ኣይተጀመረን ስለዚ እዚ ከምዚ ዓይነት መንግስቲ እዚ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆል ዝብል ባንዴራ ዝተኸለ ሸፍታ መንግስቲ ኢዩ ንኤርትራን ህዝባን ዘመሓድር ዘሉ እቲ ፕረ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብኣዝዮም ቅርጡዋት ሰባት ዝልለ ዝብሎ ስርዓቱ ስርዓት ህግደፍ ብዘይካ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ስራሕ ማፍያ ብሕልና ሰባት ዝምእዘዝ ሰልፊ ኣይኮነን ፕረ ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ዘሎ ንጉዳይ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ኣይኮነን። ዶከተር ሙስጣፋ ዓሊ ዑስማን ናይ ሱዳን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንመንግስቲ ህግደፍ ብፍላይ ድማ ንወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ዝነበረ ኣልመርሑም ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ነቲ ፓስፖርት ኤርትራ ኣብ ተለቪዥን ኣልጀዚራ ቀዲሑ ከሲሱዎ ከም ዝነበረ ዚዝከር ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ ብዛዕባ ኢሳይያስ ናብ ደገ ህዝቢ ንምብታን ዝለኣኾም አቶም ከልተ ዓበይቲን ፍሩያትን እዞም ተጠዌሶም ዘለዉ ሰባት ኢዮም ንሎሚ ጉዳይ ምጅማር ሰናይ ምንዮት ጥራይ ክጸሓፍ ስለዝመረጽኩ ከኣ ድሕረ ባይታ ኣቶ ዓብደላ ኣደም ካብቲ እግሩ ዝተወግኣሉ ውግአ ሓድሕድ ርእሲ ዓዲ ኣብ ኩናት ባጽዕ ረግረግ ጨው ሳሊና ኣብ ገረግር ኣብ ኣሃዱ ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት ኣብ ጉዳይ ቅትለት ስዒድ ሳልሕ ኣሮማ ከሰላ ወዘተ ዝነበሮ ተራ ከምኡውን ኣብ ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ህግደፍ ንኣመንቲ ኣስላም ኤርትራውያን ብስም ጨሓማት ወይ ኣመንቲ አንሳር አልሱና ዝገብሮ ዝነበረ ኤርትራዊ ዓሌት ናይ ምጽናት ዘመተ ፖሊሲ ኣብ ጂቡቲን ሱዳንን ኣምባሳደር ኮይኑ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝነበሮ ምትእስሳር ስለያብዛዕባ ምአሳር ሃገራውያን ወዘተ ብከመይከ ሃዲሙ። ብድሕሪ ምህዳሙ ዝነበሮ ጽልዋን ሸበድበድን ብሓፈሻ ድማ ስለምንታይን ብከመይን ኢዩ ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ምስ ዕሉል ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ናይ ጥፍኣት ሰረገላ ከሻረኸ ከኢሉ ኣብ ዝቐጽሉ ጽሑፋት ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ከቐርቡ ኢዮም ብዛዕባ ጉዳይ ጭካኔ ገበነኛ ኢሳይያስ እውን ገለ ኣብነታት ከቐርቡ ኢዮም ኣብ ራብዓይ ሕቶ ቀሪቡ ዘሎ ጉዳይ ረፈረንዱም ከኣ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሚያዝያ ዘድመጾ ኣሃዝ ብመልከዕ ሰሌዳ ንኩሉ ዜጋ መገምገሚ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ መታን ክኸውን ኣብ ዝመጽእ ግዜ ከቕርቦ እየ። ሎሚ ስርዓት ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ኣብ ኣፍደገ መቓብር በጺሑ ኣሎ ምንጋር ምንጋሩ ምንግርጋሩ ስለዘይተገብረ ኣብ ታሪኸ ኢሳይያስ ብዙሕ ግዜ ንስከላ ካብ ሞት ኣምሊጡ ኢዩ። እዚ ሓደገኛ ፖሊሲ እዚ ንኣርበዓ ዓመታት ብስዉር ከሰርሓሉ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ተግባራቱ ከም ጸሓይ በሪሁ ይረአ ኣሎ ኢሳይያስ ፍጥር ካብ ዝብል ከሳብ ሎሚን ናብ መቓብር ዝኣቱን ካብ ዝተላአእኮ ውዲት ንድሕሪት ምንቐውን ዝብል ኣይኮነን ኣብ ዝሓለፉ ክፋላት ጽሑፍ ትልሚ ንዘርኢ ከርዳድ ህዝቢ ኤርትራ ሰሚሩ ኣንጻሩ ከይምከት ናብ ደገ ዝለኣኾም ሳተላይታቱ ገሊጸ ከም ዝነበርኩ ዚዝከር ኢዩ። ገለ ሰባት ካብ ጽቡቕ ድሌት ተበጊሶም ሎሚ ኣብ ከንዲ አገለ ከምዚ ይገብር ነይሩ እገለ ናይ ቀደም ገበን ነይሩዎ ምባል ኩላትና ብሓባር ከይተፈላለና ኣንጻር ህግደፍ ንመከት ዝበሉ ብዙሕ ግዜ ጽሒፎምን ተዛሪቦምን ኢዮም ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንጹር ዕላማን ራአይን ብዘይብሎም ኣብ ዘመን ገድሊ ብደም ንጹሃት ዜጋታት ኣእዳዎም ደም ዝተለኸዩ ብድሕሪ ምእሳር ጉጅለ ድማ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ህዝቢ ንምብትታን ብጭቡጥ ምስ ዝለኣኾም ሰባት ተጎዝጐዝካ ምኺድ ፍሬኖኣ ምስ ዝተበትከ አትናብለ ተሳፊርካ ናብ መንገዲ ዓርበረቡዕ ምጉዓዝ ከም ማለትዩ። ጉዳይ ኣቶ ዓብደላ ኣደም ኣብ ሓደ ከፋል ጽሑፍ ከጠቓለል ኣይኮነን እዚ ከም መእተዊ ኢዩ ኣብ ዝቐጽሉ ከፋላቱ ከኣ ካብ ግዜ ናጽነት ዝነበሮ ኣሉታዊ ተራ ብድሕሪ ካብ ካርቱም ምህዳሙ ከሳብ ንዝተፈላለያ ውድባት ሰልፍታትን ከምኡውን ንዋዕላ ንዲሞከራስያዊ ለውጢ ንምብታን ዝገብሮ ዝነበረን ዘሎን እከይ ስራሓት ከንርኢ ኢና። ከብሉ ዝኸእሉ ደቀባት ኤርትራ ካብ ዓም በብመዓልቶም እናዋረሞም ከመጽእ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መኣዲ ኤርትራዊ ዜግነት እቶም ናይ መወዳእታ ተሪፎሞ ዝነበሩ ጀጋኑ ኣብ ብስም ጉጅለ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ ብዘሐዝን ኣገባብ ኣህሊቹዎም ኢዩ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣብ ታሪኸ ዓመታት ኤርትራ መን ኢዩ ንኢሳይያስ ገበነኛ ኣይነበረን ወይ ኣይኮነን ኢሱ ዝጣበቐሉ። ከምኡ ስለዝኾኑ ኢዮም ድማ እቶም ካብ ነዊሕ ዓመታት ምስ ኢሳይያስ ብ ሕኸኸኒ ከሓከካ ደቂ ናይ ደም ዕቁብ ኮይኖም ዝተጓዕዙ ገለ ጀነራላት መንግስቲ ህግደፍ ኣብዚ ናይ ለውጢ ዘመን ንጉዳይ ህዝቢ ረጊጾም ከሳብ ኣኸር ጣልጋ ኣኸር ጂንዲ ብምባል ምስ ዕሉል ገበነኛ ንከጓዓዙ ዝመረጹ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ብምኸንያት ውግእ ሓድሕድ ቅድሚ ዓመታት ናብ ሱዳን ምስ ወጸት ነቶም ብሂወት ዝነበሩ መሪሕነታ ንምቕንጻል ኢሳይያስ ኣይደቀሰሎምን። ነታ ብትእዛዝ ገበነኛ ኢሳይያስ ካብ ከሰላ ተጨውያ ናብ ኤርትራ ዝኣተወት ቀዳመይቲ ላንድ ከሩዘር ለይላ ዑልዊ ናይ ዓብደልቃድር ጀላኒ ናብ ሜጀር ጀነራል ተኸላይ ሃብተስላሰ ኣብ ከተማ ከረን ዘረከብኩዋ ኣነ እየ ይኣከል ኣሃ ከፍሊ ስለያን ጸጥታን ያ ብትእዛዝ ኢሳይያስ ኣብ ከትብተን እንከላ ሓላፊ ናይቲ ምኩር ኣሃዱ ዝነበረ ተጋዳላይን ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ነበርን ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሞን ኣብ ውሸጢ ረድዮ መሪናዮ ኣኬባ ጌሩልና ኣብ ዝነበረሱ መዓልቲ ንስኹም ኣብ ከፍሊ ኣብ ዝነበርኩምሉ ግዜ ብዙሕ ምስጢራት ኢኹም እትፈልጡ። ስለምንታይ ኢዮም እቶም ንኢሳይያስ ውሸጡን ውሻጥኡንኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፈጸሞም ገበናት ኣጸቢቐም ዝፈልጡ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ከኣ ዝለዓለ ሓላፍነትን ናይ ዓበይቲ ምስጢር ተኻፈልቲን ዝነበሩ ሰባት ካብ ኤርትራ ወጺኦም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ተጸንበሩ ብዛዕባ ገበናትን ሕቡእ ዕላማታትን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ሓንቲ ቃል ብጭቕ ዘይበሉ። ነዚ ብዓቢ ኒሕን ሓቦን ዝብገሶ ዘሎ ዳግማይ ታሪኸ ንምስራሕ ግን ነቲ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ከዳዕን ገበነኛን ቲፋኖስ ሰብ ማዕተብ መጓዕዝቱን ካብ ሎሚ ንከለልዮም ድምጺ ሃገራዊ ደወል ካብ መዓሙቕ መቓብር ሰማእታትና ይደሀ ኣሉ ኣብ ቱኒዝያ ዝተጀመረ ህዝባዊ ኣብያ ናብ ግብጺ ቀጺሉን ተዓዊቱን ናብ የመን ሱዳን ኣልጀርያ ኢራን ባሕረይን ጂቡቲወዘተብናህሪ እናሸበበ ይቕድመና ኣሎ እዚ ብህዝብታት ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝተራእየ ሽግ ፐዐርከ ከኣ ገና ኣይቀሃመን ዘሉ ስርዓት ህግደፍ ብዛዕባ አዚ ንዓለም ዘዛርብ ዘሎ እዋናዊ ወረታት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብጭቕቐ ኢሉ ዘይምዝራቡ ብዘይካ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቐት ከሳብ ከንደይ ራዕዲን ሽበራን ኣትዩዎ ከም ዘሎ ኢዩ ዘመልከት። ኢሳይያስ ሰብኣይ ጓልና እናበለ ኣብ ዝዐረኸሉ ግዜ ብፍላይ ኣብ ግዜ ኩናት ባድመ ዝተራቐቐ ሚሳይላት ሂቡዎ ከም ዝነበረ ኣብ ዓም አብ ኣስመራ ይዝረብ ነይሩ ኢዩ። ኤርትራ በቶም ቀንዲ እሙናቱ ጀነራላትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ኣብ ትሕቲ ጽላል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣላምበር ሎሚ ኣካልን ሓንጎልን ኢሳይያስ ብሰንኪ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝሓለሞን ዝፈሸሎን ሕልሙ ብድሕሪ ናጽነትውን በብዓመቱ ከጓንፎ ዝጸንሐ ብድሆ ከምኡውን በዚ ኣብ ከባቢ ኤርትራ ዝልሕም ዘሎ ባርዕ ህዝባዊ ሃልሃልታ ናብ ኣዝዩ ዝገደደ ሕማም ተሰጋጊሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሉ ብድሕሪ እቲ ከርብሓኒ ይኸእል ኢዩ ኢሉ ዝወልዖ ኩናት ባድመ ዝነበሮ መዋጥርን ናይ ዕርበተሕልና ርአሰኩናትን ኣብ ርጉእ ኩነተህላወ የለን ኢሳይያስ። ስለዚ ምልኪ ገበነኛ ኢሳይያስ ሰራውር ዝሰደደ ደኣምበር ኣብ ግዜ ናጽነት ኤርትራ ዝተራእየ ሃንደበት ኣንበጣ ቀውዒ ኣይኮነን ኣብ ዝቐጽል ከፋል ጽሑፍ ትልሚ ንዘርኢ ከርዳድ ምስ ህሉው ኩነታት ከባቢናን ሃገርናን ብምዝማድ ኢሳይያስን ገለ ኣባላት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ኣብ ግዜ ቃልሲ ናብ ወጻኢ ብዛዕባ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ምምልላስ ብዙሓት ተጋደልቲ ካብ ሜዳ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ተላእኩ ዘጋጥሞም ዝነበረ ጸገማት ምንቅስቓስ መርከብ ኣንጀሎ ምእካብን ኣጠፋፍኣን ገንዘብ ህዝቢ ኤርትራኣጥፊእካ ናይ ምጥፋእ ስራሕ ኢሳይያስን ከንርኢ ኢና። ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ጸልማትን መንደልህጾን ዓመታት ኣብ ውሽጢን ደገን ኤርትራውያን ንምጽናት ከበሮ ዝሃርሙ ዝድብሉን ዝቆጻጸዩን ከመይ ዝኣመሰሉ ሰባት ይኣኻኸብ ከም ዝነበረ ብዘይ ቃልዓለም ከጸሓፉ ኢዮም ደምበ ኣለና ኣብ ህሉው መድረኸ ቃልሲ ዘለና ንጹር ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ብፍላይ ኣብ ውድባትን ሰልፊታትን ኤርትራውያን ኣብ ኣተኣላልያ ገበነኛ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዋፅላ ንዲሞከራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝምድና ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ራእይና ኣብ መጻኢት ኤርትራ ወዘተ ብንጹር አናኣዛነቅና ከነዋምጦም ኢና። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ናብ ገበናት ዝተኻፈሉ ሰባት ኣይትጸብጽቡ ዝብል ርእይቶታት ከስማዕ ጸኒሑ ኢዩ እዚ ልከዕ ኣበሃህላ ኢዩ ብሓቂ ኢሳይያስ ኤርትራውያን ንምጽናት ካብ ዝተበገሰላ ዕለት ንብዙሓት ደቀባት ናብ ገበን ከም ዝኣትዉ ዝገበረ ናይ ገበነኛታት ገበነኛ ኢዩ።